DiscoverSBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Claim Ownership

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Author: SBS

Subscribed: 121Played: 6,194
Share

Description

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
2458 Episodes
Reverse
ኣርእስታት ዜና፥ ጸሓፊ ጸዓት ኣመሪካ: ክሪስ ራይት ፡ እቲ ኣንጻር ኢራን ዝግበር ውግእ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከም ዘብቅዕ ገሊጹ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ ብዛዕባ’ተን ናብ ኢራን ዝመለሳ ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ኢራን ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ። ካንታ ኩዕሶ እግሪ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ/ማቲልዳስ ዝሓለፈ ዓርቢ [13/03/26] ንሰሜን ኮርያ ኣብቲ ናይ ርብዒ ፍጻመ እተገብረ ግጥም ድሕሪ ምስዓራ ፡ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኤስያ ኣንጻር ቻይና ክትገጥም ትዳሎ።
ን ሎሚ ሰኑይ 16 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣታዊታት ሩስያ ካብ ሰደድ ነዳዲ ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ኣብ ኢራን ካብ ዝጅመር ንድሓር ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ክብሉ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም፡ ሩስያ ነቲ ናታ ኲናት ኣብ ዩክረይን ንምምዋል ክጥቀመሉ'ያ ዝብል ፍርሒ ድማ ኣሕዲሩ'ሎ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ቀዳማይ ‘ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ’ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ "ተስፋ ለ ሰላም" ብዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ትግራይ፣ ኣምሓራ ዘተ ንምክያድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ሜላት ኪሮስ ኣብ ዴንቨር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዲሞክራታት ቀዳማይ ብርኪ መረፃ ዓወት ኣመዝጊባ። ኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ጸሓፊ ጸዓት ኣመሪካ: ክሪስ ራይት ፡ እቲ ኣንጻር ኢራን ዝግበር ውግእ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከም ዘብቅዕ ገሊጹ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ ብዛዕባ’ተን ናብ ኢራን ዝመለሳ ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ኢራን ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ። ካንታ ኩዕሶ እግሪ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ/ማቲልዳስ ዝሓለፈ ዓርቢ [13/03/26] ንሰሜን ኮርያ ኣብቲ ናይ ርብዒ ፍጻመ እተገብረ ግጥም ድሕሪ ምስዓራ ፡ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኤስያ ኣንጻር ቻይና ክትገጥም ትዳሎ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምምካት ጸረ ምስልምና ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና መጥቃዕቲ ፣ ምዉራድን ጽልእን ንምዉጋድ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ ። ኮሚሽነር ዓሌታዊ ኣድልዎ ጂሪ ሲቫራማን መንግስቲ ንሃገራዊ ፀረ-ዓሌትነት ብዝምልከት መደብ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ምላሽ የለን ይብል ። እቲ መደብ ኣብ ሕዳር 2024 እዩ ተጀሚሩ: እንተዀነ ግን መንግስቲ ገና ምላሽ ክህብ እዩ ።
New data shows that Russia's oil export earnings have soared since the US-Israeli war in Iran broke out, sparking fears that Russia will use this war to finance its own in Ukraine. As the United States lifts sanctions and Europe considers more flexibility, Russia says the world is coming to understand the importance of its resources. - ኣታዊታት ሩስያ ካብ ሰደድ ነዳዲ ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ኣብ ኢራን ካብ ዝጅመር ንድርሓር ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ክብሉ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም፡ ሩስያ ነቲ ናታ ኲናት ኣብ ዩክረይን ንምምዋል ክጥቀመሉ'ያ ዝብል ፍርሒ ድማ ኣሕዲሩ'ሎ። ኣሜሪካ እገዳታት ኣብ ተልዕለሉን ኤውሮጳ ድማ ዝያዳ ምትዕጽጻፍ ክተርኢ ወይ ክትገብር ኣብ ትሓስበሉን ዘላ እዋን ሩስያ ዓለም ጥቕሚ ናይ'ቶም ሃብትታታ እናተረደኣ ይመጽእ ኣሎ ትብል።
ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ቀዳማይ ‘ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ’ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። "ተስፋ ለ ሰላም" ብዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ትግራይ፣ ኣምሓራ ዘተ ንምክያድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። ሜላት ኪሮስ ኣብ ዴንቨር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዲሞክራታት ቀዳማይ ብርኪ መረፃ ዓወት ኣመዝጊባ። ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣብ ኣባሉ ዝኾነ መምህር ሸዊት ውዳሴ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ኮኒኑ። ኢትዮጵያ ን40 ኣብያተ ትምህርቲ ስደተኛታት ናብ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ ከተእቱ ምዃና ተሓቢሩ። ኣብ ዞባ ጋሞ ድሕሪ ዘጋጠመ ምንሽርር መሬት ልዕሊ 125 ሰባት ደ
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈጺማ ፡ በቲ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ሰባት ጎዲኡ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ዝያዳ እንተ ኣስፋሕፊሑን ዓብዩን ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንሓደ በርሚል $US200 [[A$300]] ክኸውን ከምዝኽእል ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ኣጠንቂቑ ። ሚኒስተር ስፖርት ኢራን ኣሕመድ ዶኒማሊ ፡ ሃገሩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ክትወዳደር ከም ዘይትኽእል ገሊጹ ።
ን ሎሚ ሓሙስ 12 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካይዳኦ ዘለዋ ውግእ ፡ ቀንዲ ሰንሰለት ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ብምዕንቃፉ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ሰማይ ይዓርግ ኣሎ ። መራሕቲ ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ዘይግዜኡ ብኣመሪካ ዝተወለዐ ኲናት ፡ብጥርጣረን ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝዕዘብሉ ዘለዉ ፡ ንቐጻሊ ጸቕጥታት ጸዓት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቅድሚ ብልጃኻ ምጥርናፍ ምሕሳብ : መብርሂ ብዛዕባ ሕግታት ብዶባት ቁጽጽር ዝግበረሎም ነገራትን ስነ-ህይወታዉያን ትሕዝቶታት። ትሕዝቶ ዘለዎ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ሃገራዊ ማሕበር ላቦራቶሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሓሙሻይ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ን7 ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት መተባብዒ ሂቡ። ውድብ ስምረት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ዘቐረቦ ክሲ ስሒቡ። ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ከቢድ ፋይናንሳዊ ፀገም ኣብ ሓደጋ ምዕፃው ከምዘለዋ ኣፍሊጡ። ጉግል ኣብ ሰርች ኢንጅን ኣምሓርኛ፣ ኣፍን ኦሮሞን ሶማልኛን ዝርከቡዎም 13 ቋንቋታት ኣፍሪቃ፡ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ፡ ኣጠቓቕማ ነዳዲ “ብዓቢ ጥንቃቐ” ክግበር ኣተሓሳሲቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ መጠንቀቕታ ሂቡ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈጺማ ፡ በቲ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ሰባት ጎዲኡ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ዝያዳ እንተ ኣስፋሕፊሑን ዓብዩን ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንሓደ በርሚል $US200 [[A$300]] ክኸውን ከምዝኽእል ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ኣጠንቂቑ ። ሚኒስተር ስፖርት ኢራን ኣሕመድ ዶኒማሊ ፡ ሃገሩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ክትወዳደር ከም ዘይትኽእል ገሊጹ ።
ሃገራዊ ማሕበር ላቦራቶሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሓሙሻይ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ን7 ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት መተባብዒ ሂቡ። ውድብ ስምረት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ዘቐረቦ ክሲ ስሒቡ። ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ከቢድ ፋይናንሳዊ ፀገም ኣብ ሓደጋ ምዕፃው ከምዘለዋ ኣፍሊጡ። ጉግል ኣብ ሰርች ኢንጅን ኣምሓርኛ፣ ኣፍን ኦሮሞን ሶማልኛን ዝርከቡዎም 13 ቋንቋታት ኣፍሪቃ፡ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ፡ ኣጠቓቕማ ነዳዲ “ብዓቢ ጥንቃቐ” ክግበር ኣተሓሳሲቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ መጠንቀቕታ ሂቡ።
Learn useful English for talking about small wins at work. Practise phrases for celebrating achievements, staying motivated, and making progress step by step. - ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ንእሽቶ ዓወት ምዝራብ ፡ ጠቓሚ እንግሊዝኛ ምፍላጥ ። ዓወታት ንኽትጽምብል ፡ ንኽትድረኽ ፡ በብደረጃኡ ድማ ዕቤት ንኽትገብር ዝሕግዝ ሓረጋት እንግሊዝኛ ተላመድ ። Learn useful English for talking about small wins at work. Practise phrases for celebrating achievements, staying motivated, and making progress step by step.
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካይዳኦ ዝዘለዋ ውግእ ፡ ቀንዲ ሰንሰለት ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ብምዕንቃፉ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ሰማይ ይዓርግ ኣሎ ። መራሕቲ ዓለም ፡ ነቲ ኣብዘይግዜኡ ብኣመሪካ ዝተወለዐ ኲናት ፡ብጥርጣረን ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝዕዘብሉ ዘለዉ ፡ ንቐጻሊ ጸቕጥታት ጸዓት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ ።
** ካብ ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ተወሰኽቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑቕባ ከምዝሓተታ ተገሊጹ። ** ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝበሎ ዝጻረር እኹል መርትዖታት ይቐርብ... ** ኣብ ኖርዝ ተሪቶሪ ን ኲንስላንድን ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ይቕጽል ።
Customs is generally the first point of contact for people entering Australia. Our Border Force Officers are there waiting. They ensure that we don’t bring in prohibited goods that could threaten Australia’s unique environment, economy and communities. Before you zip up your suitcase, here’s what you need to know about what can—and can’t—cross the border, and what’s at stake if biosecurity rules are ignored. - ነቑጣ መፈተሺ ዶባት/ ካስተም ብሓፈሽኡ ናብ ኣውስትራሊያ ንዝኣትዉ ሰባት ናይ መጀመርያ ዝረኽብዎ ነቑጣ እዩ ። ሓለዋ ዶብ ኣብኡ ኮይኖም ይጽበዩ ። ነቲ ኣውስትራሊያ ዘላቶ ፍሉይ ኣከባቢ ፣ ቁጠባን ማሕበረሰብን ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ዝተከልከለ ኣቑሑት ከይኣቱ ድማ ይከታተሉ ። ባልጃኻ ቅድሚ ምጥርናፍካ ፡ እንታይ ናብ ኣውስትራሊያ ከተእቱ ከም እትኽእልን ከም ዘይትኽእልን ክትፈልጥ ኣሎካ ፣ ሕግታት ስነ-ህይወታዊ ብዙሕነት ዕሽሽ እንተ ተባሂሉ ፡ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገር እንተኣሎካ ነቲ ዶብ ክትሰግሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ ። ኣብዚ ንኻልኣይ ሰሙን ሒዙ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ይቕጽል፡ ድሮ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓለም ኣናዊጹሉ ኣብዘሎ ዛጊት ዝር አ ምዕባለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜናና ነተኩረሎም ጉዳያት፡ ***ኣባላት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ አቂኣንስትዮ ኢራን ኣብ ኣውስትራሊያ ክንብራ ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ዑቕባ ተዋሂብውን... *** ናብ ቱርኪየ ንካልኣይ ግዜ ዝተተኮሰ ሚሳይል ብኔቶ ተሃሪሙ ድሕሪ ምውዳቑ ቱርኪየ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ... *** ኢራን ንወዲ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ላዕለዋይ መራሒ ክኸውን መሪጻቶ ...
ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት።
ኣርእስታት ዜና፥ ውግእ ኢራን ናብ ካልኣይ ሰሙን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ፡ ኢራንን እስራኤልን ሓድሽ መጥቃዕቲ ተለዋዊጠን ። ኣብ መላእ ዓለም ንውግእ ኢራን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ። ብኢራን ዝውቅዓ ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ንዝወጸ መደብ ከም ዘይድግፍ ሰልፊ ግሪንስ ገሊጹ። እንግሊዛዊ ጆርጅ ራስል ኣብ ፎርሙላ ዋን ዉድድር Australian Grand Prix ብ ሰንበት 8 መጋቢት ኣብዝተኻየደ ዉድድር ተዓዊቱ ።
ን ሎሚ ሰኑይ 09 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኩነታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስግኣት ምንሃር ዋጋታት መግቢ ፈጢሩ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራታት ኣብ ግዜ ረመዳን ከይጽገማ ተፈሪሑ።።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ናይ መወዳእታ ክፋል ቃለ መሕትት። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዝምድና ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ካልኦትን ዘጠናኽር እዩ ዝተብሃለ መድረኽ ኣብ መቐለ ተኻይዱ። ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይካ ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላት መስርሕ ምዝገባ መረፅቲ ጀሚሩ። ኣርባዕተ ውድባት ትግራይ ዝጠመረ ሓዱሽ መድረኽ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢሩዎ ዝበሎ"ወተሃደራዊ ከበባ" ከልዕሎ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ካብ ውድባዊ ሓላፍነቱ ተኣልዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ውግእ ኢራን ናብ ካልኣይ ሰሙን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ፡ ኢራንን እስራኤልን ሓድሽ መጥቃዕቲ ተለዋዊጠን ። ኣብ መላእ ዓለም ንውግእ ኢራን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ። ብኢራን ዝውቅዓ ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ንዝወጸ መደብ ከም ዘይድግፍ ሰልፊ ግሪንስ ገሊጹ። እንግሊዛዊ ጆርጅ ራስል ኣብ ፎርሙላ ዋን ዉድድር Australian Grand Prix ብ ሰንበት 8 መጋቢት ኣብዝተኻየደ ዉድድር ተዓዊቱ ።
ዝምድና ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ካልኦትን ዘጠናኽር እዩ ዝተብሃለ መድረኽ ኣብ መቐለ ተኻይዱ። ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይካ ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላት መስርሕ ምዝገባ መረፅቲ ጀሚሩ። ኣርባዕተ ውድባት ትግራይ ዝጠመረ ሓዱሽ መድረኽ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢሩዎ ዝበሎ"ወተሃደራዊ ከበባ" ከልዕሎ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ካብ ውድባዊ ሓላፍነቱ ተኣልዩ።
Families in Australia are bracing for a cost-of-living hit, as energy prices soar. Charities are increasing gifts of free food during Ramadan, to help those already struggling. SBS Arabic takes a look at how one group is trying to help. - ስድራቤታት ኣብ ኣውስትራልያ ዋጋታት ጸዓት ኣብ ዝኸበርሉ ማህሰይቲ ኣብ ክብሪ መነባብሮ ከጋጥመን ይዳለዋ’ለዋ። ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ንምሕጋዝ ግብረሰናያዊ ማሕበራት ህያባት መግቢ ብነጻ ኣብ ግዜ ረመዳን ይውስኽአኦ’ለዋ። SBS Arabic ሓደ ጉጅለ ከመይ ክሕግዝ ይፍትን ኣሎ ኣብ'ዚ ተመልኪቱ'ሎ።
ኣርእስታት ዜና፥ ሓንቲ ናይ ኢራን መርከብ ውግእ ፡ ብሳብ-ሳብማሪን ኣመሪካ ተሃሪማ ከም ዝጠሓለት ፡ ብዙሓት ባሕረኛታት ከም ዝቐተሉን ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሄግሰት ኣረጋጊጹ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ኣብዝምዕብለሉ ዘሎ ፡ ኣውስትራልያ ኣህጉራዊ ስርዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ክትሕግዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጸዊዑ ። ሓንቲ ኢራናዊት ተጻዋቲት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፡ በቲ ኣብ ሃገራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ጓሂኣ ብብኽያት ገሊጻቶ።
ውግእ ኢራን ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ካብ ብዙሕ ዓመታት ዘይተራእየ ሰማይ ዓሪጉ ። ዝተናውሐ ኲናት ፡ ሰንሰለት ቀረብ ጸዓት ከይዕንቅፍን ሓደገኛ ሳዕቤን ከይህልዎ ተሰጊኡ ኣሎ ፡ ብፍላይ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ቀንዲ መስመራት መጓዓዝያ ብምዕጻዉ እቲ ስግኣት ኣብ መላእ ዓለም ኣንጸላልዩ ይርከብ ። ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ ጽልዋታት ድሮ ይርአ ኣሎ ፣ በዚ ከኣ ነቲ ዓለምለኻዊ ቊጠባዊ ለውጢን ናህሪ ዋጋን ጽልዋ ክህልዎ እዩ ።.
loading
Comments (2)

Berihu Tesfay

የቀንየልና Sbs radio

Jul 6th
Reply

melat mikael

I am really happy that I got to know this channel, I want to improve my Tigrinya and that’s it a great channel to listen to. Thank you very much🙏🏽

Mar 23rd
Reply
loading