DiscoverThe Wihbet Podcast
The Wihbet Podcast
Claim Ownership

The Wihbet Podcast

Author: Wihbet.com

Subscribed: 0Played: 0
Share

Description

Zerisenai and Wihbet Ministry have a mission to share the love of God which is found in and revealed by Christ Jesus to everyone. Let's Think Podcasts come with insights to be inspired. Wihbet Ministry’s sermons, books, articles, and more are available free of charge at wihbet.com. We want people everywhere to understand and embrace the truth that God is most glorified in us, when we are most pursue Him.
35 Episodes
Reverse
2ይ ቆሮንቶስ 2 .14-17 ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። ማለት፥ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፡ ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን።
2ይ ቆሮንቶስ 2 .14-17 ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። ማለት፥ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፡ ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን።
"እዛ ዓለም እዚኣ ብወንጌል ክትብጻሕ እንተ ኰይና፡ ብዘይ ጥርጥር ብቁዓትን ፍሉይ ውህበታትን ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ብግዲ ኣይከድልይዋን እዮም። ኸመይሲ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብተዛማዲ ክርአ ከሎ፡ ፍሉይ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም ሰባት ሒደት ጥራይ እዮም ዘለዉ።"
032 - ፖሊካርፕ

032 - ፖሊካርፕ

2023-02-2506:42

ፖሊካርፕ - ካብ ሃዋርያ ዮሃንስ ብምምሃር መራሕቲ ቤተክርስትያን ኮይኑ፣ ነታ ኣብ ዘመኑ ዝነበረት ቤተክርስትያን ኣገልጋልን ተጣባቒ ንወንጌል ክርስቶስን ኮይኑ ደው ዝበለ እዩ።
ጃስቲንን ደቀ መዛሙርቱን ብምኽንያት እምነቶም ተኣስሩ። እቲ ምስለኔ ብሞት ምስ ኣፈራርሆም፡ ጃስቲን ድማ ከምዚ በለ፡ "ምእንቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እንተ ተቐጺዕና፡ ኽንድሕን ተስፋ ኣሎና።" በሎም። ካብቲ ዝነበርዎ ቦታ ድማ ተወስዱ፡ ርእሶም ድማ ተሰየፉ።
O Holy Night - ( ዎ ቅድስቲ ለይቲ - "Cantique de Noël") - ዝበለጸት ናይ ልደት መዝሙር ብ ኣደልፈ ኣዳም ሙዚቃ እተደርሰላን ብ1847 ብፈረንሰይና እተገጥመት ግጥሚ ብ ፕላሲደ ካፖው እተጻሕፈት መዝሙር እያ።
ቅሌምንጦስ፣ ኣብ ዘመኑ ንግሪኻዊ ዓለምን እንታይነት ክርስትና ዝገለጸ፡ ንፈሊጣዊ ምህሮ ገጠመሉ። ካብቲ ኣብ ግሪኻዊ ፍልስፍና፣ ብሉይ ኪዳን ከምኡ ድማ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ዓሚቚ ፍልጠት እተላዕለ ነቲ ናይ ሽዑ ግሪኻዊ ኣእምሮ፣ ንሄለናዊ ኮነ ንኣይሁዳዊ ብዘእምን መገዲ እንታይነት ክርስትና ኬነጽር ዝኸኣለ፡ ናይ ኣምላኽ ጅግና ሰብ።
ኢሳይያስ 40:29 ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።
ናይ ሚሊዮናት ወንጌላዊ - ቢሊ ግራሃም (Billy Graham)፣ "እግዚኣብሄር ንኣሜሪካ ከነቃንቃ እንተደኣ ደልዩ፡ ናይ ዶክትረይት ወይ ድማ ናይ ስነ-መለኮት ዲግሪታት ኣየድልዮን እዩ። ምናልባት እውን እግዚኣብሄር ንሓደ ዘይተማህረን ወዲ ገጠርን ክመርጽ ይኽእል እዩ . . . ናተይ ጸሎት ድማ እዚ እዩ!"
ወንጌላዊ ራይናርድ ቦንኪ - ጀርመናዊ ጴንጠቆስጣዊ ወንጌላዊ እዩ። ካብ 1967 ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ሚስዮናውን ኣገልጋሊ ወንጌል ኮይኑ ክሳብ ናይ ጥሮታ ግዚኡ ማለት 2017 ኣገልጊሉ።
ህድእቲ ለይቲ - Silent Night = Stille Nacht (Joseph Franz Mohr and Franz Xaver Gruber) - ብ1818 እተዘመረት መዝሙር፣ ንልደት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሓኑ ዕዮ እትገልጽ መዝሙር።
ተርቱሊያን፡ - ስላሴ ቃል ዘምጽአን ብዛዕባ ስላሴ ዝሞጎተን ዝመሃረን፡ ኣብ ማእከል ዘይኣመንቲ መምለኺ ጣኦትን ብምዃን ዝሞጎተልናን ኣቦ፣ ክርስትያናዊ መምህርን ሊቅ ስነ-መለኮትን
ዘገርም ጸጋ (Amazing Grace) - ብ1772 እተጻሕፈ መዝሙር፣ ንጸጋን ናይ ኣምላኽ ምድሓን ዝገልጽ መዝሙር።
ጅግና ናይ እምነት ኣቦ ቀዳማይ ጸሊም፡ ባርያ-ነበር ኣሜሪካዊ ወንጌላውን መተንስኢ ጴንጤቆስታዊ ምንቅቃሕን ምንቅስቃስ ኣብ ኣሜሪካ።
ዳዊት 46:10 ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።
ምሳሌ 3:5 ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
ኤርምያስ 46:28 ኣታ ባርያይ ያእቆብ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ንዂሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ህዝቢ ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን እየ፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝቐጽዓካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ እኳ ኣይሐድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
"...እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።" 1ቈረ 15.54-57
ዛንታ ህይወት - መምህር፡ መምህር ስነ-መለኮት፡ ፈላስፋ፡ ጳጳስን ፈላስን - ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ (St. Augustine of Hippo)
ማርቲን ሉተርን ቪተንበርግን ብ1527 ሓደ ለበዳ ሕማም መጾም። ብወርሒ ነሓሰ 1527 እዩ፣ ኣብታ ዘገልግለላ ዝነበረት ከተማ ቪተንበርግ፡ ሓደ ለበዳ ሕማም ስለዝተላብዐ እታ ከተማ ኣብ ፍጹም ጸልማት ኣተወት። ነገራት ኩሉ ፍጹም ተዓጽወ።
loading
Comments 
loading
Download from Google Play
Download from App Store