Discover
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Author: SBS
Subscribed: 117Played: 6,189Subscribe
Share
© Copyright 2025, Special Broadcasting Services
Description
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
2167 Episodes
Reverse
ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ቶክዮ 2025 ንሓደ ሰሙን መመላእታ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ፍሉያት ታሪኻውያን ዓወታት ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ብምምዝጋብ ተዛዚሙ። ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ዓወት ኣብ'ቲ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ውድድር ምቅብባል ዱላ ጉያ እግሪ 4 X 400ሜን ኣዴታትን መሓዙትን ዝኾና ኬንያውያን ኣትሌታት ብሉጽ ዓወት ዘመዝገባሉን ብምዃን ተዘካሪ ኮይኑ'ሎ። ንኢትዮጵያ ግን እቲ ውራይ ኣብ 34 ዓመታት ተሳትፎኣ ኣብ'ቲ ውራይ ንፈለማ ግዜ ብዘይወርቂ መዳልያ ኣትሌታታ ንሃገሮም ዝተመልስሉ ብምዃን ጸሊም ተዘክሮ ዝፈጥረ ኮይኑ ሓሊፉ'ሎ።
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።
ን ሎሚ ሰኑይ 29 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ዝሓለፈ ሰሙን ዘዕለለና መቐጸልታኡ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ። ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።
ኣውስትራሊያ ትርከበን 150 ሃገራት ብወግዒ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ኰይኑ ግና ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ጋዛ ውግእ ድሕሪ ምክያዱን ልዕሊ 65,000 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ፡ ሃገረ ፍልስጥኤም እንታይ እያ ክትመስል፧ እዚ ተፈላጥነት እዚ ስማዊ ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ ዓለማውን ግብራውን ጽልዋ ኣለዎ፧ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትከ ደው ከብሎ ይኽእል ድዩ ፧
ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ።
ኣርእስታት ዜና፥ ዝሓየለ ህቦቡላ ሳይክሎን ናይ 2025 ኣብ ሆንግ ኮንግ ጉድ ኣት ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ታይዋን 17 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ናብ ገማግም ደቡብ ቻይና ሓሊፉ ኣሎ ። ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ ምእጋድ ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዛለዩ ናይ ጌም ጸወታታት’ውን ከጠቓልል ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ካብ የመን እተተኮሰ ድሮን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኤላት ወቒዑ: ብውሕዱ 20 ሰባት ኣቝሲሉ ። ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ግራንድ ፋይናል A-F-L ኣዚዩ ከቢድ ጸወታ ከምዝኸውን ተገሊጹ።
ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፉ ። ደበና ኩናት ንምቕንጣጥን ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ቢሮ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ካብ ዓዱ ተመዛቢሉ ብዝብኢ ንዝተበልዐ ህፃን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ። ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ጥሕሰት ከም ዘተሓሳሰበን 42 ሃገራት ዓለም ንሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጠን።
From the soccer field to the athletics track, Australia’s Indigenous sportspeople connect cultures and communities whilst contributing to our national identity. Taking inspiration from those before them, their athletic prowess leaves an indelible mark on our nation. Sport’s ability to foster inclusion, equality and the opportunity for greatness has seen Indigenous Australian sportspeople ingrained in the national psyche, whilst inspiring others to represent Australia in sport. - ካብ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ክሳብ መስመር ኣትሌቲክስ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ደቀባት ስፖርት ንባህሊታትን ንማሕበረሰባትን ዘራኽብ እዩ ፡ ንሃገራዊ መንነትና ድማ ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም ። ብቕድሚኦም ዝነበሩ ተተባቢዕም ፡ ኣትለቲካዊ ሓድጎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዓብዪ ምልክት ኮይኑ እዩ ። ስፖርት ኣብ ኣውስትራሊያ ፤ ሓቛፍነት፡ ማዕርነትን ንምዕባይ ዕድል ዝከፍትን ክእለት ከምዘለዎ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ሃገራዊ መንፈስ ከምዝኣተዉ እሞ ካልኦት ኣውስትራሊያውያን ኣብ ስፖርት ንኽውከሉ ዝገብር ዘሎ እዩ ።
*** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝራኸብ ኣረጋጊጹ... *** ኣብ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፡ብሰንኪ በረራታት ሓያሎ ዓበይቲ ድሮናት ምሉእ ለይቲ ክዕጾ ተገዲዶም... *** ሚንስትር ጥዕና ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብዶናልድ ትራምፕ ዘይተረጋገጸን ዘጨንቕን ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ።
ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ኣዕሊሉ ኣሎ።
*** ሃገረ-ፍልስጤም ምምስራት ሰላም ንኽርከብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ከምዝኣምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልበነዝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ... *** ድሕሪ ተኸታታሊ ምዝንባይ ድሮናት ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንማርክ ፡ በረራታት ነፈርቲ ደው ኢሉ ... *** ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ብኽሲ ክሕደት ኣብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣብታ ሃገር ሕድሕድ ኲናት ከይለዓል ተሰጊኡ።.
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።
ን ሎሚ ሰኑይ 22 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር። ዝብል ሓደ ትሕዝቶ ክህልወና እዩ። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 24 ዓመት ዘቑጸሩ ዝዝከረሉ እዩ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር።
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።
ሎሚ ሓሙስ 18 መስከረም 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ዘሰጎመ ደርሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ ሓጸርቲ ዛንታ ከይተሓጽረ ኣብ ምጽሓፍ ድራማ፡ ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጽሕፎም ዝነበሩን ብሱላት ዓንቀጻትን ዝፍለጥ እዩ። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ብ 30 ነሓሰ 2025 ኣብ መበል 64 ዓመት ዓሪፉ። ብዛዕባ ዘበርከቶም ስራሓትን ብዛዕባ ህይወት ደራሲ ሚኪኤል በርሀን ዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መሳርሕቱን ዝነበረ ኣርቲስት ሚካኤል ኣዶናይ ዝተገብረ ዝርርብ ካልኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ- ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ብሕጋዊ መገዲ ስምካ ብኸመይ ትቕይሮ፧ ክንድህስስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።
ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ዓፋር ናይ ዘሎ ዕጡቕ ትግራይ 12 ኣመራርሓ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ወርሒ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ።
Learn how to talk about the night sky and stargazing. - ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ከመይ ከም ትዛረቡ፡ (Learn how to talk about the night sky and stargazing.) ቋንቋ እንግሊዝኛ ምርዳእን ምዝራብን ኣብ ኣውስትራሊያ ናብራኹም ከመሓይሽ ዝኽእል እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ህይወትን ኣገላልፃታትን ኣብ ብኸመይ ከምዝበሃልን ኽንገልጽ ኢና ። ናይ እንግሊዝኛ ቛንቛ ክእለትካ ንምምሕያሽ ፣ ብዛዕባ ኣውስትራሊያ ፍልጠትካ ንምዕባይ ጎኒ ንጎኒ ድማ እናተዘናጋዕካ ትምህርቲ ምቕሳም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ብዛዕባ ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ብኸመይ ከም እትዛረብ ክንመሃር ኢና ።
የቀንየልና Sbs radio
I am really happy that I got to know this channel, I want to improve my Tigrinya and that’s it a great channel to listen to. Thank you very much🙏🏽