DiscoverSBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Claim Ownership

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Author: SBS

Subscribed: 118Played: 6,191
Share

Description

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
2250 Episodes
Reverse
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'a piece of cake' - ሓድሽ ሓረግ፣ ኣበሃህላ ወይ ኣገላልጻ ተማሂርኩም ናይ እንግሊዝ ቋንቋኹም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ከምዝጥዕም ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'a piece of cake' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ በዓል ክልተ-ቋንቋታት ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ። እዚ ድማ ቀዳማይ ክፋሉ'ዩ።
ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራሊያ ብቻይና ዝድገፉ ሃከራት ኣብ ልዕሊ ጸጥታይ ስግኣት የውርዱ ኣለዉ ኢላ ብመገዲ ሓላፊ ጸጥታኣ ዝገለጸቶ ፡ ቻይና ነቲ ክሲ "ዘይረብሕ ዘረባ" ብምባል ተቓዊማቶ ። በሃር ስነ ስነጥበብኛ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ። ሳም ኬር ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚራ ንመጀመርታ ግዜኣ ምስ ጋንታ ቸልሲ ጸወታ ኣብቲ ምስ ኦስትርያዊ ግጥማት ቻምፕኢዮን-ሊግ ተጻዊታ ።
ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ፡ ዉዕል ፕሪቶሪያ ብዘይምትግባሩ ተፈጢሩ ዘሎ ደውታን ቅልውላውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣልዒልዎ ዘሎ ኣጀንዳ ባሕሪን ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ናይ ኲናት ሃዋሁው ኣንጸላልዩ ይርከብ። እዚ ኩነታት ክንዮ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ሰብ ረብሓ ዝኾኑ ሓይልታት'ውን ከይሳተፍዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብዚ ዘተ፡ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
ሎሚ ሓሙስ 13 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ስደተኛ ኣብዚ ዓለም ዘድልዮ ንብረትን ኣገልግሎታትን እንተረኸበ'ኳ ወትሩ ኣብ ስምዒቱ ዝፍጠር ዘይምላእ ሃጓፍ ጸይሩ እዩ ዝጓዓዝ። እዚ ሃጓፍ እዚ እንታይ እዩ፧ ዋላ ናብቲ መበቆል ዓዱ እንተተመልሰ'ውን፡ እቲ ኣብ ስምዒት ስደተኛት ሓንሳእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ኣይመልእን። ብዛዕባ'ዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲከን ትመራማሪ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዶ/ር ኣማኑኤል ዝሃበና መብርሂ። ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን፣ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ብዕረፍቲ ስሙይ ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሓዲሽ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቀቢሉ። ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ ካብ ዝተኸሰሱሉ ሰለስተ ክስታት በቲ ክልተ ነጻ ከምዝኾነ ጠበቓኡ ሓቢሩ። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ ሕማም ሄሞራጂክ ፌቨር ከምተኸሰተ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ፋይናንሲያዊ ውጥን መጻኢ ዉልድኩም ብኸመይ ትሰርዕዎ፡ ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ነቶ ኣውስትራሊያ ብቻይና ዝድገፉ ሃከራት ኣብ ልዕሊ ጸጥታይ ስግ ኣት የውርዱ ኣለዉ ኢላ ብመገዲ ሓላፊ ጸጥታኣ ዝገለጸቶ ፡ ቻይና ነቲ ክሲ "ዘይረብሕ ዘረባ" ብምባል ተቓዊማቶ ። በሃር ስነ ስነጥበብኛ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ። ሳም ኬር ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚራ ንመጀመርታ ግዜኣ ምስ ጋንታ ቸልሲ ጸወታ ኣብቲ ምስ ኦስትርያዊ ግጥማት ቻምፕኢዮን-ሊግ ተጻዊታ ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሓዲሽ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቀቢሉ። ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ ካብ ዝተኸሰሱሉ ሰለስተ ክስታት በቲ ክልተ ነጻ ከምዝኾነ ጠበቓኡ ሓቢሩ። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ ሕማም ሄሞራጂክ ፌቨር ከምተኸሰተ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
በሃር ስነ ስነጥበብኛ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ። ብሕልፈት ስነ ጠበበኛ በረኸት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ፡ ነዚ ዝምልከት ዝተዳለወ ሓጺር ጸብጻብ።
** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ እስላማባድ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ፡ 12 ሰባት ዝቐተለን ብዙሓት ዘቝሰለን ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኮኒኑ... ** ክፍለ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ዓመጽ ዝፍጽሙ መንእሰያት ዒላማ ዝገብር ሕግታት ተተኣታቱ ፣... ** ኢትዮጵያ ን መቐናቕንታ ናይጀሪያ ብምስዓር ጉባኤ ክሊማ 2027 ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት (COP32) ከተአንግድ እያ።
Financial planning can feel stressful for any parent. When it comes to saving for your child’s future, knowing your options helps make informed decisions. And teaching your kid healthy money habits can be part of the process. - ገንዘባዊ ውጥን ምውጻእ ንዝዀነ ይኹን ወላዲ ውጥረት ኽስምዖ ይኽእል እዩ ። ብዛዕባ መጻኢ ዉህለላ ገንዘብ ውሉድካ ዝምልከት ፡ ኣማራጺታትካ ምፍላጥ ፡ ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ተመርኲስካ ውሳነ ንኽትገብር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ። ናይ ቆልዓኻ ጥዑይ ናይ ገንዘብ ልማድ ምምሃር ሓደ ክፋል ናይቲ መስርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ስደተኛ ኣብዚ ዓለም ዘድልዮ ንብረትን ኣገልግሎታትን እንተረኸበ'ኳ ወትሩ ኣብ ስምዒቱ ዝፍጠር ዘይምላእ ሃጓፍ ጸይሩ እዩ ዝጓዓዝ። እዚ ሃጓፍ እዚ እንታይ እዩ፧ ዋላ ናብቲ መበቆል ዓዱ እንተተመልሰ'ውን፡ እቲ ኣብ ስምዒት ስደተኛት ሓንሳእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ኣይመልእን። ነዚ ንምብራህ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲከን ትመራማሪ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዶ/ር ኣማኑኤል ዓዲምናዮ ዝሃበና መብርሂ።
** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ከም ኣካል ምግታእ ምስፍሕፋሕ ኒዮ ናዚ ፡ ኣብ እዋን ሰልፊ ጸሊም መሸፈኒ ገጽ ከይልበስ ዝገብር ሕጊ ደጊፉ። ** 503 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።... ** ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ዳግም ንምኽፋት ን ሰኔት ከምዝድግፍን በዚ ድማ ንናይ ፌደራል ሰራሕተኛታት ዘይተኸፍሎም ደሞዝ ክኽፈሉ ምዃኖምን ኣሚቱ።
ኣርእስታት ዜና፥ ** ተጣበቕቲ ፍልስጤማውያንን ክሊማን ምስ ኣይሁዳውያን ጕጅለታት ሓቢሮም ነቲ መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን ፖሊስን ንጉጅለ ኒዮ ናዚስት ሰልፊ ክገብሩ ንምድጋፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ተቓዊሞም። ** ኣስታት 300 ገያሾ ጽዒና ኣብ ጥቓ ዶብ ታይላንድ-ማለዥያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ጠፊኦም ። ** ማንቸስተር ሲቲ ነታ ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣብ ማንቸስተር ሰለስተ ብባዶ ሲዒራታ።
ን ሎሚ ሰኑይ 10 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምስ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ዝገበርናዮ ካል ኣይ ክፋል ዕላልውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። ስርዓት ሓመድን ማይን ትግራይ ብኲናት ከም ዝተመረዘ፣ ዘላቒ ሓደጋ ስነ-ህይወት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ኣጠንቂቑ። ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለሱ ገሊጾም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ተጣበቕቲ ፍልስጤማውያንን ክሊማን ምስ ኣይሁዳውያን ጕጅለታት ሓቢሮም ነቲ መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን ፖሊስን ንጉጅለ ኒዮ ናዚስት ሰልፊ ክገብሩ ንምድጋፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ተቓዊሞም። ** ኣስታት 300 ገያሾ ጽዒና ኣብ ጥቓ ዶብ ታይላንድ-ማለዥያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ጠፊኦም ። ** ማንቸስተር ሲቲ ነታ ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣብ ማንቸስተር ሰለስተ ብባዶ ሲዒራታ።
ዳርጋ ክልተ-ሲሶ ዝኾና ኣውስትራልያውያን ትካላት ኣብ መስርሕ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ (Artificial Intelligence, AI) ይጥቀማ፣ እዚ ግን ስግኣታት ተኽእሎ ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ ኣብ ሓደስቲ መጻእቲ፣ ስደተኛታትን ደቀንስትዮን ኣልዒሉ’ሎ።
ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። ስርዓት ሓመድን ማይን ትግራይ ብኲናት ከም ዝተመረዘ፣ ዘላቒ ሓደጋ ስነ-ህይወት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ኣጠንቂቑ። ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለሱ ገሊጾም።
ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። እንተኾነ ትካላት መሰል ስደተኛታት ከምዝብልዎ ኣውስትራሊያ ነቲ ብጃምላ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ምምዝባል እትህቦ ግብረመልሲ ብኸመይ ከተመሓይሾ ከምትኽእል ክትሓስበሉ ኣገንዚቦም ።
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኲንስላንድ ፡ ፖሊስ ጸረ ግብረሽበራ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ፡ ነታጒ ብምስራሕን ብምዝውዋርን ዝጠርጠሮም ን 7 ሰባት ክሲ መስሪትሎም። ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወት ዞህራን ማምዳኒ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰልፊ ዴሞክራትስ ኣብ ካሊፎርንያ’ውን ካልእ ዓወት የጽምብሉ ኣለዉ ። ተኸላኻላይ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ሰንትራል ኣብ ልዕሊ ኤፍ-ሲ ኮፐንሃገን 4ብ0 ንምዕዋት ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ ተገሊጹ ።
ንሎሚ ሓሙስ 06 ሕዳር 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Dating) : ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ብኸመይ ይርከብ፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኲንስላንድ ፡ ፖሊስ ጸረ ግብረሽበራ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ፡ ነታጒ ብምስራሕን ብምዝውዋርን ዝጠርጠሮም ን 7 ሰባት ክሲ መስሪትሎም። ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወት ዞህራን ማምዳኒ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰልፊ ዴሞክራትስ ኣብ ካሊፎርንያ’ውን ካልእ ዓወት የጽምብሉ ኣለዉ ። ተኸላኻላይ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ሰንትራል ኣብ ልዕሊ ኤፍ-ሲ ኮፐንሃገን 4ብ0 ንምዕዋት ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ ተገሊጹ ።
መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ። ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ
** ትካል ጸጥታ ኣውስትራሊያ (ASIO)፡ ኣውስትራሊያውያን ብምምልማል ተኣፈፍቲ ሃገራውያን ምስጢራት ክስረቕ ዝተዋደደ ዉዲት ከምዘፍሸለ ኣፍሊጡ። ** ኣድመጽቲ ኣብ መንጎ ዴሞክራሲያዊ ሶሻሊስታዊ ተወዳዳራይ ዞህራን ማምዳኒን ከም ነጻ ተወዳዳሪ ኮይኑ ዝወዳደር ዘሎ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞምን ን ከተማ ኒው ዮርክ ዘመሓድር ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ ... ** ኣብ እስራኤል ን14 ዓመታት ክቕመጥ ዝጸንሐ ስደተኛ ናብ ኤርትራ ተሰጒጉ።
Many newly arrived migrants in Australia seek relationships not only for romance but to regain a sense of belonging. Separation from loved ones often drives this need for connection. This episode explores how dating in Australia differs from more collectivist cultures and how newcomers can find partners. From social events and dating apps to professional matchmaking, it highlights how migrants can build confidence, connection, and safety as they find love in a new country. - ብዙሓት ሓደሽቲ ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ስደተኛታት ፍቕራዊ ዝምድና ንኽምስርቱ ጥራይ ዘይኮነስ ስምዒት እንታይነትን ህላውነትን ኣውስትራሊያ ንኽረኸቡ ድሌት ኣለዎም ። ካብ እተፍቅሮም ሰባት ምፍልላይ ብዙሕ ግዜ ነዚ ዝምድና እዚ ዝያዳ የጋድዶ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ፍቕሪ ዓርኪ ምሓዝ ካብ ናይ ሓባራዊነት ዘለዎም ባህልታት ብኸመይ ከምዝፍለን ሓደሽቲ ዝመጹ መጻምድቲ ብኸመይ ክረኽቡ ከምዝኽእሉን ዝድህስስ እዩ ። ካብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ክሳብ ናይ ሞያዊ መዛምድቲ ፡ ስደተኛታት ኣብ ሓዳስ ሃገር ኣፍቃሪ/ት ንምርካብ ብኸመይ ብርእሰ ምትእምማን ፡ ምትእስሳርን ዉሑስ ዝኾነ ዝምድና ከም ዘማዕብሉ ዘጕልሕ እዩ ።
loading
Comments (2)

Berihu Tesfay

የቀንየልና Sbs radio

Jul 6th
Reply

melat mikael

I am really happy that I got to know this channel, I want to improve my Tigrinya and that’s it a great channel to listen to. Thank you very much🙏🏽

Mar 23rd
Reply