** ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ** ጸብጻባት ልኡኽና:- ፕረሲደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንልዝብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ፣ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ባንክ ሕሳብ ትእምት ክንቀሳቐስ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ፣ ኢትዮጵያን ህንድን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከቲመን፣ ኢትዮጵያ ኣብ 2026 ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥመን ካብ ዝተገመተለን ናይ ዓለም ሃገራት ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ: ** መራሕቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ቅድሚ በዓል ልደት ንምውሓስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝዓለሙ ዘካይድዎም ዘለዉ ልዑል ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ናህሪ እናወሰኹ ይኸዱ'ለዉ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝርርባት ኣብ ዝተነድፈ ውጥን ሰላም ርኡይ ምዕባለ ኣርእዮም ይብል። ዩክሬን ነቲ እማመ ብሓጎስ ክትቅበሎ እንከላ፡ መጻኢ ናይ'ቲ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬትን ውሕስነት ጸጥታ ንምክልኻል ዳግማይ ተጻብኦን ዘካተቱ ግን ወሰንቲ ዝኾኑ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ተሪፎም ኣለዉ። ነዚ ዝጽብጽብ ትሕዝቶ ** ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኣረጋውያን፡ ዘኽታማትን ኣካለ ጉዱኣትን ዝሕግዝ ዘሎ ትካል ኣዶ (ADOE) መን`ዩ፧ ብከመይ ተጀሚሩን ኣብ’ዚ እዋን ካብ ኣብ ኣውስትራሊያን መላእ ዓለምን ሓገዝ ብምእካብ ዘካይዶ ንጥፈት እንታይ ከም ዝመስልን ንኣካያዲ`ቲ ትካል መርእድ እያሱ ኣዘራሪብናዮ`ለና። ካልኣይ ክፋሉ ቀሪቡ'ሎ። ** ኣብ መወዳእታ ሓጋይ ሳመር() ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ምዉቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ምስ እናወዓየት ትኸይድ ዘላ ፕላኔት ድማ ማዕበላት ሙቐት ዝያዳ ተደጋጊሞም ዘጋጥሙን ዝያዳ ጽዑቓትን ክኾኑ ትጽቢት ይግበር። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ተኽእሎታት ሓደጋ ማዕበላት ሙቐትን ተደጋገምቲ ይኾኑ ብምህላዎም ድማ ከመይ ገይርና ንሰግሮምን ክንመሃር ኢና።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ታሕሳስ 2025) * እቲ ብህይወት ተሪፉ ዘሎ ጥርጡር ኣብ`ቲ ናይ ሰንበት ጃምላዊ ምትኳስ ኣብ ቦንዳይ ቢች፣ 15 ተግባራት ቅትለት ሰብን ሓደ ተግባር ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ዝርከብዎም፣ ብ59 ገበናት ተኸሲሱ: * ዝነኣሰት ግዳይ ናይ'ቲ ቅትለት ጓል 10 ዓመት ማቲልዳ ሎሚ ሓሙስ ሓመድ ድበኣ ክፍጸም'ዩ: * ብርቱዕ ዝናብ መዓስከራት ንዝተመዛበሉ ሰባትን ኣብ ግዜ ኲናት ድሮ ብእስራኤል ዝዓነዉ ህንጻታትን ኣብ ዘዕለቕለቕሉ: ኩነታት ኣብ ቓዛ ምንቁልቋሎም ይቕጽሉ'ለዉ * ፕረዚደንት ዩክሬን ሃገሩ ካብ ሩስያ ኣብ እትከላኸለሉ ዘላ እዋን፡ መሻርኽቲ ሃገራት ክድግፉዋ ጸዊዑ።
ናይ ሎሚ (18/12/2025) ጸብጻባት ዜና * ፕረሲደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንልዝብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ፣ * ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ባንክ ሕሳብ ትእምት ክንቀሳቐስ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ፣ * ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ፣ * ኢትዮጵያን ህንድን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከቲመን፣ * ኢትዮጵያ ኣብ 2026 ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥመን ካብ ዝተገመተለን ናይ ዓለም ሃገራት ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ:
High-level diplomatic talks aimed at ending the war in Ukraine are gaining momentum, with United States and European leaders hoping to secure a path to peace before Christmas. US President Donald Trump says negotiations on a draft peace plan have made significant progress. While Ukraine has welcomed the proposal, key issues remain unresolved, including the future of Russian-occupied territory and security guarantees to prevent renewed aggression. - መራሕቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ቅድሚ በዓል ልደት ንምውሓስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝዓለሙ ዘካይድዎም ዘለዉ ልዑል ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ናህሪ እናወሰኹ ይኸዱ'ለዉ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝርርባት ኣብ ዝተነድፈ ውጥን ሰላም ርኡይ ምዕባለ ኣርእዮም ይብል። ዩክሬን ነቲ እማመ ብሓጎስ ክትቅበሎ እንከላ፡ መጻኢ ናይ'ቲ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬትን ውሕስነት ጸጥታ ንምክልኻል ዳግማይ ተጻብኦን ዘካተቱ ወሰንቲ ዝኾኑ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ግን ተሪፎም ኣለዉ።...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ታሕሳስ 2025) * ሓዘንተኛታት ዕምባታት ዘንበሩሎምን ንዝኽሪ'ቶም ዝተቐትሉ ሰባት መልእኽታት ሓዘን ዝገደፉሎምን ስነስርዓታት ምብራህ ሽምዓ በዓል ሃኑካ ኣብ መላእ ሃገር ተኻይዶም፣ ንቀታሊ ብረት ዘሕደጎ ሰብ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዶላር ኣብ ጎፋንድሚ ተኣኪብሉ፣ * ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለኒስኪ፡ ምስ ልኡኻት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ በርሊን ዝርርብ ክቕጽል'ዩ፣ * ረዲት ኣንጻር'ቲ ኣብ ዓለም መሪሕ ዝኾነ ኣውስትራልያ ዝሓገገቶ እገዳ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መድረኻት ንትሕቲ ደቂ 16 ክሲ ብምቕራብ ሕጋዊ መስርሕ ኣበጊሱ፣
Summer in Australia can be very hot, and as our climate continues to warm, heatwaves are expected to become more frequent and more intense. In this episode of Australia Explained, we cover what a heatwave is, why they pose such a significant risk to human health, who is at most risk, and how to best prepare to cope with a heatwave. - ብማዕበላት ሙቐት ዝፍጠሩ ተኽእሎታት ሓደጋ ኣፍልጦ ኣለኩም ዶ፧ ሳመር (ሓጋይ) ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ምዉቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ምስ እናወዓየት ትኸይድ ዘላ ፕላኔት ድማ ማዕበላት ሙቐት ዝያዳ ተደጋጊሞም ዘጋጥሙን ዝያዳ ጽዑቓትን ክኾኑ ትጽቢት ይግበር። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ተኽእሎታት ሓደጋ ማዕበላት ሙቐትን ተደጋገምቲ ይኾኑ ብምህላዎም ድማ ከመይ ገይርና ንሰግረሎምን ክንመሃር ኢና።
The United States has defended the seizure of a Venezuelan oil tanker as a major US naval build-up in the region continues. Venezuelan President Nicolas Maduro has described the seizure as illegal with the US also imposing further sanctions on relatives of Maduro and other targetted naval vessels. - ኣሜሪካ ሓይሊ ባሕራ ኣብ’ቲ ዞባ ምጥንኻራ ኣብ ትቕጽለሉ ዘላ እዋን ንተሰካሚት ነዳዲ መርከብ ቨኒዝወላ ክትሕዝ ዝወሰደቶ ውሳነ ተኸላኺላትሉ። ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ነዚ ምትሓዝ ዘይሕጋዊ ኢሉ ገሊጽዎ፣ ኣብ ልዕሊ ኣዝማዱን ካልኦት መራኽብ ሓይሊ ባሕርን ሃገሩ ድማ ተወሳኺ እገዳታት ብኣሜሪካ ተነቢርሎም።
ን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣረጋውያን፡ ዘኽታማትን ኣካለ ጉዱኣትን ዝሕግዝ ዘሎ ትካል ኣዶ (ADOE) መንዩ፧ ብከመይ ተጀሚሩን ኣብዚ እዋን ካብ ኣብ ኣውስትራሊያን መላእ ዓለምን ሓገዝ እና ኣከበ ዝገብሮ ንጥፈት እንታይ ከም ዝመስል ን ኣካያዲ እቲ ትካል መርእድ እያሱ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
መንግስቲ ኤርትራ ንዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 98 ሰባት ፈቲሑ። "ንሰላም ኢልና እንሸጦ ግዝኣት የለን" ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ብካልእ ሓበሬታ ኣብ ዘፈር ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ 50 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ተባሂሉ። ኣመሪካ፡ ን10 ኤርትራውያን ኣብ ዝርዝር "ሓደገኛ ገበነኛታት" ኣቐሚጣ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እገዳ ክንበር ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ እማመ ኣቕሪቦም።
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'sleep on it'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'sleep on it' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኲንስላንድ ፡ ነቶም ብዋሕስ ዝፍትሑ ካብ 10 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኤለክትሮኒካዊ ምክትታል ዘግብር ዘውጽኦ ሕጊ ፡ ናብ ባይቶኣዊ ኮሚተ መሪሕዎ ። ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ በጻሕቲ ቪዛ ተዋሂብዎም ናብታ ሃገር ንኻኣትዉ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክገብርዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ከርእዩ ክግደዱ እዮም ። 230 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ፡ ናብታ ሀይቲ ኣትዮም ።
ንሎሚ ሓሙስ 11 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። ቀ/ሚ ህንዲ ኣብዚ ሰሙን ናብ #ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተባሂሉ፣ ዕላማኡ ድማ ሽርክነት ልምዓትን ምትእስሳር ኣፍሪቃን ንምድልዳል እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝተቐትሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ’ውን ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኲንስላንድ ፡ ነቶም ብዋሕስ ዝፍትሑ ካብ 10 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኤለክትሮኒካዊ ምክትታል ዘግብር ዘውጽኦ ሕጊ ፡ ናብ ባይቶኣዊ ኮሚተ መሪሕዎ ። ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ በጻሕቲ ቪዛ ተዋሂብዎም ናብታ ሃገር ንኻኣትዉ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክገብርዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ከርእዩ ክግደዱ እዮም ። 230 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ፡ ናብታ ሀይቲ ኣትዮም ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። ቀ/ሚ ህንዲ ኣብዚ ሰሙን ናብ #ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተባሂሉ፣ ዕላማኡ ድማ ሽርክነት ልምዓትን ምትእስሳር ኣፍሪቃን ንምድልዳል እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝተቐትሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንትሕቲ 16 ዓመት ዕድሚኦም ኣእምሮኦም የባላሹ ኣሎ ብምባል ነቲ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ዝኾነ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ እገዳ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኣሎ ። ኰይኑ ግና ፡ እቶም መንእሰያት ካብቲ እግድ ንምህዳም ካልእ ሜላ ብምጥቃም ቅልጡፍ ምላሽ ይህብሉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
Learn how to describe cooking at a barbecue. - Learn how to describe cooking at a barbecue.
** ኣማኢት ኣሻሓት ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመኦም ኣውስትራሊያውያን ካብ ሎሚ ማሕበራዊ መዲያ ከይጥቀሙ ተኣጊዶም። ** ኤርትራ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ትመርሕ ከምዘላ IFJ ኣብ ናይ 2025 ጸብጻቡ ኣቕሪቡ... ** ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንከንቲባ ሎንደን ሳዲቕ ክሃን "ዘይረብሕ" ብምባል ብጸርፊ ኣጥቂዒዎ ።
Connecting with Indigenous Australia can be daunting for a newcomer to the country. So, where do you start? We asked Yawuru woman Shannan Dodson, CEO of the Healing Foundation, about simple ways to engage with First Nations issues and people within your local community. - ሓደስቲ ስደተኛ ንፈለማ እዋኣን ምስ ደቀባት ኣውስትራሊያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ስለዚ ካበይ ኢኻ ትጅምር? ን ኣካያዲት ስራሕ the Healing Foundation ጓል ያዉራን ሻናን ዶድሰን ፡ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዝርከቡ ሰባትን ፡ ምስ ቀዳሞት ማሕበረሰብ ዓለምን ቀሊል መገዲ ንምግዋር ሓቲትናያ ኣለና ።
** ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣውስትራልያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዛዕባ ጸጥታዊ ጉዳይ ኣብ ዋሽንግተን ዲ-ሲ ተዛትዮም:... ** ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ፡ 63 ህጻናት ዝርከብዎም 114 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ... ** ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሁ ቻንግቹን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይኣስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።
ን ሎሚ 08 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ናይታ ግዝ ኣት ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ኣብ 2025 ንንኣሽቱ ኣውስትራልያውያን ዘሻቐልዎም እንታይ ኔሮም፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።
ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ግዝኣት ቪክቶሪያ ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ሰፊሕ ዕላል ኣብዚ ቀሪብናዮ ኣለና።
Berihu Tesfay
የቀንየልና Sbs radio
melat mikael
I am really happy that I got to know this channel, I want to improve my Tigrinya and that’s it a great channel to listen to. Thank you very much🙏🏽