SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Springtime hay fever and asthma: how to manage seasonal allergies - ኣብ እዋን ጽድያ ረስንን ኣዝማን ፥ወቕቲታት ኣብ ዝቕየረሉ ቁጥዐ ወይ ኣለርጂ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፡

Springtime in Australia brings warmth, blossoms, and longer days—but also the peak of pollen season. For millions of Australians, this means the onset of hay fever and allergy-induced asthma. - ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ፡ መሬት ክትመውቕ ትጅምር፡ ኣትክልቲ ይዕምብቡን ነዊሕ መዓልትታትን ይመጽእ ፣ በዚ ከኣ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ ካብ ዕምባባ ዝመጻ ጨና ፖለን ዝፍጠረሉ እዩ ። ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣውስትራሊያዊያን እዚ ማለት ምጅማር ናይ ልዑል ረስኒን ቁጥዐ ሰውነትን ዘስዕብ ኣዝማን ምህላው ማለት እዩ ።

10-01
09:07

ኣውስትራሊያ ምስ እስራኤል ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል ክትስርዝ ሓድሽ መጸዋዕታ ቐሪቡ...(ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ)

** ኣውስትራሊያ ምስ እስራኤል ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል ክትስርዝ ሓድሽ መጸዋዕታ ቐሪቡ... ** ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ንምግባር ምሹእ ኩነታት የለን ክብል ክፍሊ ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ ገሊጹ።... ** ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መስሓቒ ፌስቲቫል ዝሳተፉ ኮመዲያን ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክዛረቡ እታ ሃገር ከተፍቅድ ጸዊዑ ።

10-01
05:25

ፕ/ት ኢትዮጵያ፡ ኩለን ሃገራት ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ብማዕረ ክጥቀማሉ ጸዊዑ፡ ሚ/ር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።.ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ አስ ትግርኛ

** ሓማስ ፡ ነቲ ኣብ ጋዛዝገር ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን እስራኤልን እተሰማምዓሉ እማመ ከምዝግምግሞ ኣፍሊጡ።... ** ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ፡ ኩለን ሃገራት ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ብማዕረ ክጥቀማሉ ጸዊዑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ዑስማን ሳልሕ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።...

09-30
05:37

"ኣብ ኩሉ ክንጋጠም ፍሉይ ስለዝኾንኩ ካብ ኩሎም ተጻወቲ ዝተፈለጥኩ ኣነ እየ።" ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ትጻዋታይ ቦውልስ

ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ኣብ ሆባርት ታዝማኒያ ዝነብር ጥሮተኛ እዩ። ኣብ ሆባርት ቦውል ዝበሃል ጸወታ ስፖርት ምስ ጋንታ Royal Hobart Bowls Club ተሰሊፉ ይጻወት። እዚ ዓይነት ጸወታ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብና ዝውቱር ኣይኮነን፡ ኣቶ በላይ ኣብዚ ናይ ጥሮታ ዕድመኡ ንምንታይ ክጻወቶ መሪጹ፡ ኣብታ ጋንታ ተጸምቢሩ ምጽዋቱ እንታይ ረብሓ እዩ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ ዝገብሮ ፈተነን ካልእ ምስቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዝ ኣዕሊሉና ኣሎ።

09-30
18:43

ቆላሕታ ዝሰሓቡ ዜናታት ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም - ቦትስዋና፣ ኬንያን ኢትዮጵያን

ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ቶክዮ 2025 ንሓደ ሰሙን መመላእታ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ፍሉያት ታሪኻውያን ዓወታት ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ብምምዝጋብ ተዛዚሙ። ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ዓወት ኣብ'ቲ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ውድድር ምቅብባል ዱላ ጉያ እግሪ 4 X 400ሜን ኣዴታትን መሓዙትን ዝኾና ኬንያውያን ኣትሌታት ብሉጽ ዓወት ዘመዝገባሉን ብምዃን ተዘካሪ ኮይኑ'ሎ። ንኢትዮጵያ ግን እቲ ውራይ ኣብ 34 ዓመታት ተሳትፎኣ ኣብ'ቲ ውራይ ንፈለማ ግዜ ብዘይወርቂ መዳልያ ኣትሌታታ ንሃገሮም ዝተመልስሉ ብምዃን ጸሊም ተዘክሮ ዝፈጥረ ኮይኑ ሓሊፉ'ሎ።

09-29
09:30

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 መስከረም 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።

09-29
09:22

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 መስከረም 2025)

ን ሎሚ ሰኑይ 29 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ዝሓለፈ ሰሙን ዘዕለለና መቐጸልታኡ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ። ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።

09-29
50:44

ኣፍልጦ ሃገርነት ፍልስጢኤምን ኣመታቱን:

ኣውስትራሊያ ትርከበን 150 ሃገራት ብወግዒ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ኰይኑ ግና ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ጋዛ ውግእ ድሕሪ ምክያዱን ልዕሊ 65,000 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ፡ ሃገረ ፍልስጥኤም እንታይ እያ ክትመስል፧ እዚ ተፈላጥነት እዚ ስማዊ ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ ዓለማውን ግብራውን ጽልዋ ኣለዎ፧ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትከ ደው ከብሎ ይኽእል ድዩ ፧

09-28
09:04

መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ። (ጸብጻብ)

ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ።

09-28
07:52

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ዝሓየለ ህቦቡላ ሳይክሎን ናይ 2025 ኣብ ሆንግ ኮንግ ጉድ ኣት ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ታይዋን 17 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ናብ ገማግም ደቡብ ቻይና ሓሊፉ ኣሎ ። ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ ምእጋድ ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዛለዩ ናይ ጌም ጸወታታት’ውን ከጠቓልል ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ካብ የመን እተተኮሰ ድሮን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኤላት ወቒዑ: ብውሕዱ 20 ሰባት ኣቝሲሉ ። ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ግራንድ ፋይናል A-F-L ኣዚዩ ከቢድ ጸወታ ከምዝኸውን ተገሊጹ።

09-25
09:01

"ንእሱራትና ከምዘይረሳዕናዮም ንምርኣይ ኢና ዝክሪ እሱራት ኣካይድና፡" ዝርርብ ምስ ኣቶ ዘርኡን ኣቶ ብርሃነን ብዛዕባ ኣብ ኲንስላንድ ዝተገብረ ዝኽሪ እሱራት፡

ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።

09-25
17:21

ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። (ጸብጻብ)

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፉ ። ደበና ኩናት ንምቕንጣጥን ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ቢሮ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ካብ ዓዱ ተመዛቢሉ ብዝብኢ ንዝተበልዐ ህፃን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ። ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ጥሕሰት ከም ዘተሓሳሰበን 42 ሃገራት ዓለም ንሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጠን።

09-24
07:11

Indigenous sport in Australia: Identity, culture and legacy - ስፖርት ደቀባት ኣውስትራሊያ: መንኮርኮር መንነት፣ ባህሊን ሓድግን፡

From the soccer field to the athletics track, Australia’s Indigenous sportspeople connect cultures and communities whilst contributing to our national identity. Taking inspiration from those before them, their athletic prowess leaves an indelible mark on our nation. Sport’s ability to foster inclusion, equality and the opportunity for greatness has seen Indigenous Australian sportspeople ingrained in the national psyche, whilst inspiring others to represent Australia in sport. - ካብ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ክሳብ መስመር ኣትሌቲክስ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ደቀባት ስፖርት ንባህሊታትን ንማሕበረሰባትን ዘራኽብ እዩ ፡ ንሃገራዊ መንነትና ድማ ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም ። ብቕድሚኦም ዝነበሩ ተተባቢዕም ፡ ኣትለቲካዊ ሓድጎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዓብዪ ምልክት ኮይኑ እዩ ። ስፖርት ኣብ ኣውስትራሊያ ፤ ሓቛፍነት፡ ማዕርነትን ንምዕባይ ዕድል ዝከፍትን ክእለት ከምዘለዎ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ሃገራዊ መንፈስ ከምዝኣተዉ እሞ ካልኦት ኣውስትራሊያውያን ኣብ ስፖርት ንኽውከሉ ዝገብር ዘሎ እዩ ።

09-24
10:54

ሚ/ር ጥዕና ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብትራምፕ ዘይተረጋገጸ ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ። (ሓጸርቲ ዜናታት 24 መስከረም)

*** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝራኸብ ኣረጋጊጹ... *** ኣብ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፡ብሰንኪ በረራታት ሓያሎ ዓበይቲ ድሮናት ምሉእ ለይቲ ክዕጾ ተገዲዶም... *** ሚንስትር ጥዕና ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብዶናልድ ትራምፕ ዘይተረጋገጸን ዘጨንቕን ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ።

09-24
06:06

"ናብ ዓድና እናማዕደና፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ዓዲ ዕዉታት ክንከውን ኣለና።" መንእሰይ ወደብ ቴድሮስ

ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ኣዕሊሉ ኣሎ።

09-23
25:37

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2025)

*** ሃገረ-ፍልስጤም ምምስራት ሰላም ንኽርከብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ከምዝኣምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልበነዝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ... *** ድሕሪ ተኸታታሊ ምዝንባይ ድሮናት ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንማርክ ፡ በረራታት ነፈርቲ ደው ኢሉ ... *** ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ብኽሲ ክሕደት ኣብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣብታ ሃገር ሕድሕድ ኲናት ከይለዓል ተሰጊኡ።.

09-23
05:06

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።

09-22
11:59

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025)

ን ሎሚ ሰኑይ 22 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር። ዝብል ሓደ ትሕዝቶ ክህልወና እዩ። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 24 ዓመት ዘቑጸሩ ዝዝከረሉ እዩ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።

09-22
54:32

መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከይበጽሑ ዘሰናኽልዎም እንታይ'ዮም፧

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር።

09-21
09:22

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመን ስልጣኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። (ጸብጻብ)

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።

09-21
08:51

Berihu Tesfay

የቀንየልና Sbs radio

07-06 Reply

melat mikael

I am really happy that I got to know this channel, I want to improve my Tigrinya and that’s it a great channel to listen to. Thank you very much🙏🏽

03-23 Reply

Recommend Channels