DiscoverSBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)

Update: 2025-10-20
Share

Description

ን ሎሚ ሰኑይ 20 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ ኣቦ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ፈለማ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሩን ንባይቶ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና ድሕሪ ዜና ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ዘይሻራዉያን ሃገራት ተሳቲፋ ጽገና ዓለማዊ ስርዓት ክግበር ተማሕጺና። ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። ነበር ፕረዚደንት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ብሞት ተፈሊዮም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰኔተር ፖሊን ሃንሰን ነቲ ካብ ሰልፉ ሰልፊ ናሽናልስ ከምዝወጽአ ዘፍለጠ ሰናተር በርናቢ ጆይስ ናብ ሰልፋ ሰልፊ ዋን ኔሺን ክጽምበር ብወግዒ ጸዊዓ። ** ሰራዊት እስራኤል ፡ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምጥሓሱ ፡ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ከም ዝፈነወ ገሊጹ ። ** ኣውስትራሊያዊ ማናጀር ኩዕሶ እግሪ ኣንጂ ፖስትኮግሉ ን ሸሞንተ ጸወታታት ኢንግሊሽ ፕሪሚየር ድሕሪ ምምራሑ ጋንታ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣባሪራቶ ።
Comments 
In Channel
loading
00:00
00:00
x

0.5x

0.8x

1.0x

1.25x

1.5x

2.0x

3.0x

Sleep Timer

Off

End of Episode

5 Minutes

10 Minutes

15 Minutes

30 Minutes

45 Minutes

60 Minutes

120 Minutes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)