DiscoverSBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025)

Update: 2025-10-16
Share

Description

ሎሚ ሓሙስ 16 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መስራቲ ናይ ፈለማ መዲያ ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ን ድምጺ ደሊናን ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናይ ተግባራቱን ይዝከር። ድሕሪ ሕልፈቱ፡ ክብርታቱን ሓድግታቱን ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምወሃብ እዩ። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይ ናይቲ ሽልማትን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት።ዝተገብረ ዝርርብ ካል ኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ድርድር ብዘይፍረ ተበቲኑ። ሰላማዊ ሰልፊ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ። ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን 17 ኤርትራውያን ኣሲሮም። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ደም ምልጋስ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ክንድህስስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ረድኤት ማካይን ናብ ጋዛን እስራኤልን ምእታው ቀጺሉ። ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ሚካኤል ራንድሪያና ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣብ ደንቨር ፡ ኮሎራዶ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ ብሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ 2-1 ተሳዒራ ።
Comments 
In Channel
loading
00:00
00:00
x

0.5x

0.8x

1.0x

1.25x

1.5x

2.0x

3.0x

Sleep Timer

Off

End of Episode

5 Minutes

10 Minutes

15 Minutes

30 Minutes

45 Minutes

60 Minutes

120 Minutes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025)