DiscoverSBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)

Update: 2025-10-13
Share

Description

ን ሎሚ ሰኑይ 13 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣዳላዊን ኣቕራብን ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናት ተግባራቱን ይዝከር። ክብርታቱ ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ንኽወሃብ ኣብ ምሽብሻብ ከምዘለዉ ኣወሃሃድቲ ገሊጾም። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ፡ ኢጣሊያ ኣትዩ፡ ኣብ ትግራይን ዓፋርን 5.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሰምዐ ተገሊጹ; ኣብ ዓፋር ህይወት ሓደ ሰብ ኣሕሊፉ ፤ ናይ ኣስታት 43 ሺሕን ሰባት ገዛ ኣዕንዩ። ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜናዊ ወሎ ብሓይልታት ፋኖ ውጕኣት ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ዝበሉዎ ስግኣት ደው ክተብል ጸዊዖም። ግብጺ ብጉዳይ ኣባይ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጉምትታት ክትወስድ’ያ ክብል ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣጠንቂቑ። ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝተገብረ ውግእ ሓማስ-እስራኤል ንምጉላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰንበት ክገብሩ ዊዒሎም ፣ ** ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝርከባ ኣከራኸርቲ ደሴታት ፡ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ፊሊፒንስን ውጥረት ሓይሉ ። ** ናይ ሶማል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ።
Comments 
In Channel
loading
00:00
00:00
x

0.5x

0.8x

1.0x

1.25x

1.5x

2.0x

3.0x

Sleep Timer

Off

End of Episode

5 Minutes

10 Minutes

15 Minutes

30 Minutes

45 Minutes

60 Minutes

120 Minutes

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)