ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብዛዕባ ጅምላዊ ቅትለት ዳርፉር ኣብ ናይ ፈለማ ብይኑ ኣሕሊፉ።
Update: 2025-10-08
Description
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ።
Comments
In Channel