What are Australia’s fishing laws and rules? - ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታትን መምርሒታትን ከምዘለውዎ ትፈልጡ ዶ፧
Update: 2025-10-28
Description
Thinking of going fishing in Australia? Make sure you are familiar with local regulations, including licensing systems, closed seasons, size limits, permitted gear, and protected species. - ሓደ ካብ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን በብዓመቱ ዓሳ ክገፉ ከምዝኸዱ ትፈልጡ ዶ፧ ናብ ሩባ፡ ገምገም ባሕሪ ኣብ ደንደስ ኮንካ ድዩ ወይስ ኣብ ጃልባ ገመድ ብምዝርጋሕ፡ ምግፋፍ ዓሳ መሕለፊ ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ናይ'ቲ ባህሊ'ውን'ዩ። እንተኾነ ግን ሓደስቲ መጻእቲ ዘየስተውዕሉሎም ነገራት ኣለዉ፡ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ሕግታቱ ከምዝመጽእን እዞም ሕግታት ድማ ኣገዳስነት ዘለዎም ምዃኖምን። ኣብ'ቲ ዘለኹሞ ግዝኣት ወይ ምምሕዳራዊ ዶብ ዝውሰን፡ ፈቓድ ምግፋፍ ዓሳ ከተውጽኡ የድሊ ድዩ ኣይኮነን፡ ዝኽልከልሎም ከባቢታትን ዝዕጸዉሎም ወቕትታትን፡ መጠን ትገፍዎምን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ጽንተት ዝርከቡ ዓሌታትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ። መምርሒታትን ዝበለጹ ኣገባባትን ኣብ ድሕነት፡ ኣተኣላልያ ጓሓፍን ኣተሓሕዛ ዓሳታትን'ውን ብተወሳኺ ኣለዉ።
Comments
In Channel



