DiscoverSBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025)

Update: 2025-11-03
Share

Description

ን ሎሚ ሰኑይ 3 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ SBS ን ዩኒቨርሲቲ ካንበራ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ማሕበረሰባት ሕብረ ብዙሕ ባህልታት ካብቲ ናይ 2023 ጸብጻብ ዝያዳ ስምዒት ናተይነት ከምዝስምዖም ዘሎ ተፈሊጡ ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ቋንቋታት ዝዛረቡ ሕብረተሰባት ዘሎ ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ ደረጃ ክጸሉ ዝኽእል ረቛሒታት ከምኡውን ኣብ መንጎ ናኣሽቱን ዓበይቲን ወለዶታት ኣውስትራሊያ ዘሎ ናይ ርድኢት ፍልልይ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ። ጸብጻብ ናይቲ መጽናዕቲ ከነቕርብ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ምረቓ ዓቢ ቤተ መዘክር ግብጺ ተረኺቡ። ሕብረት ኣውሮፖ ሓዊሱ 22 ሃገራት 3ይ ዓመት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብምዝኽኻር ዘተ ክጅምር ጸዊዐን። ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም [ወሊድ] መስርሕ ፍርዱ ሎሚ 3 ሕዳር ክጅምር'ዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 56 ትሪልዮን ብር በፂሑ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ናይጀርያ ፡ ሉኣላዊ ግዝ ኣታ ክሳብ ዝተኸብረ፡ ኣመሪካ ኣንጻር እስላማውያን ተዋጋእቲ ኣብ ምቅላስ ትገብሮ ደገፍ ከምትቕበሎ ገሊጻ።- ** ብኸቢድ ህዝባዊ ተቓዉሞን ናዕብን ዝተገብረ ምርጫ ትንዛንያ፡ ፕረሲደንት ሳምያ ሓሰን ብገፊሕ ከምዝተዓወተት ተነጊሩ። ** ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ፍሉጥ ዉድድር ኣፍራስ መልበርን ካፕ ጀሚ መልሃም ንሃፍ ዩርስ ፈረስ ክትጋልቦ ምዃና ኣፍሊጣ።
Comments 
In Channel
loading
00:00
00:00
x

0.5x

0.8x

1.0x

1.25x

1.5x

2.0x

3.0x

Sleep Timer

Off

End of Episode

5 Minutes

10 Minutes

15 Minutes

30 Minutes

45 Minutes

60 Minutes

120 Minutes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሕዳር 2025)