DiscoverSBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)

Update: 2025-10-02
Share

Description

ንሎሚ ሓሙስ 02 ጥቅምቲ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መደያይቦ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 'ሓራ መሬት' ዘለው ዕጡቓት ናብ ትግራይ ንክመፁ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ባሕሪ ተመያይጡ። ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጉዳይ ዓሰብ ዘይቅኑዕ ምባል "ባንዳነት እዩ" ክብል ገሊጹ። ኣብ እዋን ጽድያ ረስንን ኣዝማን ፥ወቕቲታት ኣብ ዝቕየረሉ ቁጥዐ ወይ ኣለርጂ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፡ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ንግስቲ ንሓደስቲ ዓደግቲ ገዛ ንምድጋፍ ከተግብሮ ጀሚሩ ዘሎ መደብ ፡ ዝያዳ ውድድር ዝፈጥርን ዋጋታት ዘውስኽ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ ስግኣቶም ገሊጾም ። ኣብ ኲንስላንድ እቲ ዝዓበየን ዝጠንተወን ትካል መፍረ ጸዓት ከሰል ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ኣቐዲሙ ክዕጾ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ፡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ንባርሴሎና 2ብ1 ስዒራታ ።
Comments 
In Channel
loading
00:00
00:00
x

0.5x

0.8x

1.0x

1.25x

1.5x

2.0x

3.0x

Sleep Timer

Off

End of Episode

5 Minutes

10 Minutes

15 Minutes

30 Minutes

45 Minutes

60 Minutes

120 Minutes

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)